session uppdatera gms varning förnya
Vill du stanna kvar på sidan?
Du har varit inaktiv i en längre stund och kommer att bli utloggad om du inte väljer att stanna kvar på sidan.
Automatisk utloggning sker om cirka
Stanna kvar på sidan
Problem med nätverket
Inget internet. Kontrollera din nätverksanslutning.
Tillfälligt tekniskt fel

ኣብ 2ይ ደረጃ ቤ/ት ዘይፉቚድ ብኲሪት ምስ ዝህልወካ ኣብ ልዕሊ
ቊጠባዊ ረዲኤት-ትምህርቲ(ስቱድዮ ቢድራግ) እንታይ የጋጥም?

ኣብ 2ይ ደረጃ ቤ/ት ዘይፉቚድ ብኲሪት ምስ ዝህልወካ እቲ ትወስዶ ቊጠባዊ ረዲኤት-ትምህርቲ ደው ክብል ይኽእል እዩ።ካልኦት ረዲኤታት ከም ተወሳኺ-ረዲኤት ካብ ሲኤስኤን ወይ ረዲኤት ክራይ-ገዛ ካብ ቤ/ጽ
ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) እውን ደው ክብሉ ይኽእሉ እዮም።ዘይፍቚድ ብኲሪት ምስ ዝህሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ሲኤስኤን ዝውሰድ ቊጠብዊ ረዲኤት እንታይ ከም ዘጋጥም ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ከም ዘይፍቚድ ብኲሪት ይሕሰብ

ዘይፍቚድ ብኲሪት ምዃኑን ዘይምዃኑ ዝውስን እቲ ቤ/ት እዩ።ንኣብነት ብተደጋጋምን ብዘይ ሙኽኑይ ፍቓድ

  • ካብ ናይ ክፍሊ ኣስተምህሮታት ምስ ትበኲር
  • ብዙሕ ግዜ ደንጒኻ ምስ ትመጽእ
  • ናይ ክፍሊ ኣስተምህሮታት ከይተወድኡ ቀልጢፍካ ምስ ትኸይድ

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብጠቕላላ 4 ሰዓታት ወይ ዝያዳ ተደጋገምቲ ዘይፍቚድ ብኲሪታት ምስ ዝህልዉኻ እቲ ቤት ትምህርቲ ናብ ሲኤስኤን ጸብጻብ ከመሓላልፍ ይኽእል እዩ።

እቶም ብኲሪታት ኣብ ገሊኡ ኲነታት ፍሉያት ምኽንያታት ምስ ዝህልዎም እቲ ቤት ትምህርቲ ናብ ሲኤስኤን ከይሓበረ ስቕ ክብል ይኽእል እዩ።እቶም ምኽንያታት ንኣብነት ሕማም፡ምድንዳን ምስ ዘጋጥመካ ወይ’ውን ካልኦት ውልቃውያን ምኽንያታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።ሕማቕ ይስመዓካ ስለ ዘሎ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ትቦኩር ነቲ ቤ/ት ክትሕብሮ ኣገዳሲ እይ።

ቤት ትምህርቲ ዘይፍቚድ ብኲሪት ኣለካ ኢሉ ምስ ዝግምግም እዚ ዝስዕብ የጋጥም

  1. እቲ ቤ/ት ዘይፍቊድ ብኲሪት ከም ዘለካ ጸብጻብ ናብ ሲኤስኤን የሕልፍ።ከም’ዚ ዓይነት ብኲሪት ምስ ዝህልወካ ከም ምሉእ-ሰዓታት ተምሃራይ ስለ ዘይትሕሰብ መሰል ቊጠባዊ ረድኤት ኣይህልወካን።
  2. ሲኤስኤን ነቲ ዝወሃበካ ቊጠባዊ ረድኤት ደው ብምባል ቅድሚ ሕጂ’ውን ዝያዳ ተኸፊልካ እንተነይሩ
    መርመራ የካይድ።
  3. እቲ ቤ/ት ዳግም ምሉእ ሰዓታት ክትመሃር ከም ዝጀመርካ ምስ ዝግምግም ጸብጻብ ናብ ሲኤስኤን ይልእኽ።
  4. ሕጂ መሰል ቊጠባዊ ረድኤት ክህልወካ ይጅምር።ዘይግበኣካ ገንዘብ ወሲድካ ነይርካ ምስ ትኸውን ግን እዚ ሕጂ ዝፍቀደልካ ቊጠባዊ ረድኤት ክሳብ ዝጅመር ክደናጎይ ይኽእል እዩ።ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ’ቲ ሲኤስኤን ዝሃበካ ገንዘብ ግድን ክትመልሰሉ ምስ ትእዘዝ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመልከት።
  5. ኣብ ሰነ ዝኽፈል ገንዘብ ክሰሓብ ይኽእል።እዚ ክፍሊት እንተወሓደ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ዓመተ-ትምህርቲ ምሉእ-ሰዓታት ትመሃር ምስ ትነብር ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ።

ኣስተውዕል! እቲ ቊጠባዊ ረድኤት-ትምህርቲ ደው ምስ ዝብል ካብ ካልኦት በዓል-መዝታት ወይ ቤ/ጽሕፈታት ዝወሃቡኻ ረድኤታት ንኣብነት ካብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ዝወሃቡኻ ረድኤት ክራይ-ገዛን ተወሳኺ ረድኤታት ብዙሓት ቈልዑን ደው ክብሉ ይኽእሉ እዮም።

ሲኤስኤን ዝሃበካ ገንዘብ ግድን ክትመልሰሉ ምስ ትእዘዝ

ዘይግበኣካ ቊጠባዊ ረድኤት ምስ ትወስድ ግድን ክትመልሶ ኣለካ።ብቐዳምነት ካብ ኣብ’ቲ ዓመተ-ትምህርቲ ዝወሃቡኻ ክፍሊታት ንቖርጸልካ።እቲ ዝቚረጽ ገንዘብ ምስ ዘይኣክል ወይ ምሉእ-ሰዓታት ምስ ዘይትመሃር ኣብ መወዳእታ ሰነ ክፈል ዝብል ትእዛዝ ብምሕላፍ መኽፈሊ ፋቱራ ንልእኸልካ።እቲ ክፈል ዝብል ትእዛዝ ዝወሃቦ ነቲ ገንዘብ ዝተቐበለ ወይ ዝወሰደ እዩ።

ክትመልሶ ዘለካ ገንዘብ ኣብ ሰዓቱ ክትኸፍሎ ኣገዳሲ’ዩ

ክፈል ዝብል ትእዛዝ ምስ ዝመጸካ ዕዳኻ ክትኸፍሎ ኣገዳሲ እዩ።ብዂሉ ክትኸፍሎ ምስ ዘይትኽእል ኣከፋፍላ ክግበረልካ ተኽእሎ ኣሎ።ስለ’ዚ እቲ ንዓኻ ዝሓሸ መፍትሒ መታን ክንገብረልካ ንዓና ንሲኤስኤን ተወከሰና።

ዕዳካ ክትኸፍል መዘኻኸሪ ድሕሪ ምልኣኽና ከይከፈልካ ስቕ ምስ ትብል፡ነቲ ጒዳይ ናብ በዓል-መዚ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ(ክሮኖፎግደን) ነሕልፎ።ከም’ዚ ምስ ዝኸውን ናይ ዕዳ ኣበር ይህልወካ።

ርኢቶታት ምስ ዝህልዉኻ

ቤ/ት ዝሃቦ ጸብጻብ ብኲሪትካ ግጉይ እዩ ዝብል ርኢቶ ምስ ዝህልወካ ብቐዳምነት ነቲ ቤት ትምህርቲ ተወከሶ። እንቲምንታይ’ሲ ፍቚድን ዘይፍቚድን ብኲሪት ዝውስን ሲኤስኤን ዘይኮነስ እቲ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝኾነ።

ሲኤስኤን ዘሕለፎ ውሳነ ጒጒይ እዩ ምስ ትብል ይግባይ ክበሃል ይከኣል እዩ።

Updated: 2024-03-22
Did this page help you?