session uppdatera gms varning förnya
Vill du stanna kvar på sidan?
Du har varit inaktiv i en längre stund och kommer att bli utloggad om du inte väljer att stanna kvar på sidan.
Automatisk utloggning sker om cirka
Stanna kvar på sidan
Problem med nätverket
Inget internet. Kontrollera din nätverksanslutning.
Tillfälligt tekniskt fel

ልቓሕ-ትምህርቲ ከፊልካ ምምላስ 

ንስኻ፡ ካብ ”ሲ.ኤስ.ኤን” (CSN) መምሃሪ-ገንዘብ ተለቂሕካ ዝተመሃርካ ሰብ፥ ትምህርትኻ ምስ ተቛርጽ ወይ ትምህርትኻ ምስ ትውድእ፥ ነቲ ዕዳኻ ምኽፋል ትጅምር ኢኻ። እዚ ድማ፡ ዋላ ”ስርሓ-ኣልቦ” ምስ ትኸውን ወይ ናይ ”ወላድነት-ገንዘብ” ምስ ትቕበል ወይ ውን ናብ ወጻኢ-ሃገር እንተ ገዓዝካ ብዘየገድስ፥ ክትከፍሎ ዘሎካ ዕዳ’ዩ። ኣብዚ ታሕቲ፡ ብኸመይ ዕዳኻ ከም ትመልስን፥ ንምኽፋል ሽግር ምስ ዘጓንፈካን ድማ እንታይ ከም ትገብርን፥ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

መዓስ’የ ምኽፋል ዕዳይ ዝጅምር? 

ልቓሕ-ትምህርቲ ንመጀመርታኻ ጊዜ ዝወሰድካ ምስ ትኸውን፥ እቲ ዕዳ ምምላስ ትጅምረሉ ጊዜ፥ እንተ ቐልጠፈ 6 ኣዋርሕ ብድሕር’ቲ ሓገዝ-ገንዝብ ረኺብካሉ ዝነበረካ እዋን እዩ።

እቲ ዕዳ ትመልሰሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፥ ካብ ”ሲ.ኤስ.ኤን” (CSN) ሓደ ናይ ኣከፋፍላ-መደብ ከምኡ ውን መኽፈሊ-ወረቐት ዝሓዘን ደብዳበ ኪልኣኸልካ እዩ። እዚ ድማ፡ ምስቲ ምስግጋር ዓመተ-ምህረት ተተሓሒዙ ኪልኣኸልካ’ዩ።

ኣቐዲምካ ልቓሕ-ትምህርቲ ወሲድካ ዝነበርካን ዕዳኻ ምኽፋል ዝጀመርካን ሰብ ዲኻ? ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ልቓሕ-ትምህርቲ ምውሳድ ምስ ኣቛረጽካ ብቐጥጣ ክትከፍል ክትጅምር ኢኻ።

ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክኸፍልየ?

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዚልኣኸልካ ዓመታዊ-መልእኽቲ፥ ኣብኡ ክንደይ ገንዘብ ከም ትኸፍልን፥ ናይቲ ዓመት’ቲ ወለድ ውን ክንደይ ከም ዝኾነን ክትርእዮ ኢኻ።


ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ክንደይ ገንዘብ ከም ትኸፍል (ዓመታዊ-ገንዘብ) ዚውስኖ፡-

  • ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ተለቂሕካ ከም ዘሎኻ
  • ብዝሒ ናይ ወለድ ክንደይ ከም ዝኾነ
  • እቲ ኣብ ዓመት ክሳብ 2% ዝበጽሕ መጸብጸቢ-ኣሃዝ
  • ንኽንደይ ዝምንውሑ ጊዜ ዕዳኻ ከም ትኽፈልን እዩ።

ከመይ ጌረኸ ዕዳይ እኸፍል?

ናይ ልቓሕ-ትምህርቲ ዕዳኻ ምምላስ፥ ”ብኣውቶ-ጂሮ” (autogiro) ወይ ”ብኤ-ፋክቱራ” e-faktura) ወይ ውን ”ብመኽፈሊ-ወረቐት” (inbetalningskort) ጌርካ ምኽፋል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ወጻኢ-ሃገር ትቕመጥ ምስ ትኸውን፥ ናይ ልቓሕ-ትምህርቲ-ዕዳኻ ምኽፋል፥ ”ብበታል-ኩርት” (betalkort) ጌርካ ክትፍጽሞ ትኽእል ኢኻ።

”ኣውቶ-ጂሮ” (Autogiro) - በቲ ኢንተርነት-ባንክኻ ጌርካ ከም ዝተሓሓዝ ብምግባር፥ እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ካብ ሕሳብካ ተቖራጻይ ኪኸውን’ዩ።

”ኤ-ፋክቱራ” (E-faktura) - በቲ ኢንተርነት-ባንክኻ ጌርካ ከም ዝተሓሓዝ ብምግባር፥ ነቲ ዝተላእከልካ ”ኤ-ፋክቱራ”፥ ኣብቲ ኢንተርነት-ባንክ ተቐቢልካ ክተጽድቖ ትኽእል ኢኻ።

”መኽፈሊ-ወረቐት” (Inbetalningskort) – ብዝቐለለ ኣገባብ፡ ኣብቲ ናትካ ኢንተርነት-ባንክ ነቶም ኣብቲ ”መኽፈሊ-ወረቐት” ሰፊሮም ዘሎዉ ሓበሬታታት ብምምላእ፥ ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ።

”በታል-ኩርት” (Betalkort) - ኣብ ወጻኢ ሃገር ተቐማጢ ዝኾንካ፥ ምስ ”ብበታል-ኩርት” ብዝተሓሓዘ ”Visa ወይ Mastercard” ጌርካ፥ ኣብቲ ”Mina sidor” ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ።

ንኽንደይ ዚኣክል ጊዜ’ኸ ክኸፍል’የ?

እቲ ልቓሕካ፡ እንተ ነውሐ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ከፊሊካ ክትመልሶ ኣሎካ። እቲ ልቓሕካ ኣብቲ 64 ዓመት ትመልኣሉ ጊዜ ተኸፊሉ ክውዳእ ይግባእ። ከከምቲ ዕድሜኻን ዘሎካ ብዝሒ-ዕዳን፥ ነቲ ዕዳኻ ንምምላስ ዘሎካ ጊዜ ኪሓጽር ውን ይኽእል’ዩ። ኣብቲ ዝመጸካ ዓመታዊ-መልእኽቲ፥ ልቓሕ-ትምህርትኻ ንምምላስ ክንደይ ጊዜ ከም ዘሎካ፥ ኣብኡ ሰፊሩ ክትረኽቦ ኢኻ።

ኣብ ከክንደይ እዋናት’የ ዝኸፍል? 

ናብ ወርሓዊ ክፍሊታት ንምቕያር :

እቲ ልሙድ፡ ኣብ ዓመት ኣብ ”ኣርባዕተ-እዋናት” (የካቲት፡ ጉንበት፡ ነሓሰን ሕዳርን) ዚግበር ምኽፋል’ዩ። ኣብ ”Mina sidor” ኣቲኻ ግን፡ ናብ ወርሓዊ ክፍሊት ክትቅይሮ ትክእል ኢኻ።

ልቓሕካ ንምኽፋል ምስ ትጻገም

ነቲ ክፍሊትካ ንቕድሚት ምስግጋሩ :

ናብ ወርሓዊ ክፍሊታት ንምቕያሩ :

ዝወሓደ ገንዘብ ንምኽፋል ምልክታ ምቕራብ:

ኣብ ” Mina sidor” ኣቲኻ፡ ባዕልኻ ክፍሊታትካ ንሓደ ወርሒ ንቕድሚት ንምስግጋር ወይ ናብ ወርሓዊ ክፍሊታት ንምቕያሩ ትኽእል ኢኻ።

ንውሱን ጊዜ ዝወሓደ ገንዘብ ንምኽፋል ውን ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ፡ ”ምንካይ-ገንዘብ” (nedsättning) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ትሑት እቶት ወይ ፍሉይ ምኽንያት ምስ ዚህልወካ፥ ናይ “ምንካይ-ገንዘብ” መሰል ኪህልወካ ይኽእል’ዩ። ፍሉይ ምኽንያት ዚበሃል ንኣብነት፥ ናይ መተሓዳደሪ-ሓገዝ ትቕበል እንተ ዄንካ’ዩ። እንተ ደኣ “ምንካይ-ገንዘብ” ተፈቒዱልካ፥ ነቲ ኣብ መጻኢ ዓመታት እትኸፍሎ “ዓመታዊ-ክፍሊታት” ክብ የብሎ እዩ።

ኰይኑ ግን፡ ነቲ ዕዳኻ ንምኽፋል ትሽገረሉ ኩነታት እንተ ተፈጢሩ፥ ናባና ክትድውል ንደሊ ኢና። ሽዑ ድማ ሓቢርና፡ ነቲ ናትካ ኩነታት ዝሓሸ ፍታሕ ክንረኽበሉ ክንክእል ኢና።

”ምንካይ-ገንዘብ” - ንውሱን ጊዜ ዝወሓደ ገንዘብ ምኽፋል (ብሽወደንኛ)

ዕዳኻ እንተ ዘይከፊልካ

ብመሰረት እቲ ናይ ”ኣከፋፍላ-መደብ”፡ ነቲ ልቓሕ-ትምህርቲኻ እንተ ደኣ ዘይከፊልካ፥ እዚ ዚስዕብ ከጋጥም’ዩ፡-

  • ”መዘኻኸሪ-ደብዳበ” ንልእከልካ፥ ናይ ”መዘኻኸሪ-ክፍሊት” ድማ 450 ክሮኖር ክትከፍል ክትግደድ ኢኻ።
  • ሽዑ ውን ምስ ዘይትኸፍል፥ ብድሕሪ ሓደ ወርሒ ካልኣይ ”መዘኻኸሪ-ደብዳበ” ንልእከልካ። ሽዑ ውን ተወሳኺ 450 ክሮኖር ናይ ”መዘኻኸሪ-ክፍሊት” ክትከፍል ክትግደድ ኢኻ።
  • ዋላ ሽዑ ውን ክትከፍል እንተ ዘይጀሚርካ፥ ናይ ”ጠለብ-ደብዳበ” (kravbrev) ክንሰደልካ ኢና።
  • ነቲ ናይ ”ጠለብ-ደብዳበ” ምስ ዘይትኸፍሎ ድማ፥ እቲ ጉዳይካ ናብ ”ክሮኖፎግደን” (Kronofogden) ነተሓላልፎ። ሽዑ ድማ ኣብ መዝገብ ናይ “ክፍሊት-ትዕዝብቲ” (betalningsanmärkning) ትኣቱ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ትነብር ምስ ትኸውን ድማ፥ ነቲ ጉዳይካ ናብ ”መኽፈልቲ-ዕዳ” ኩባንያ (inkassoföretag) ንልእኮ።

ብዛዕባ ”መዘኻኸሪ-ክፍሊት” (ብሽወደንኛ)

ብዙሕ-ምኽፋል ወይ ብምሉኡ’ቲ ልቓሕ ትምህርቲ 

ነቲ ናይ ልቓሕ-ትምህርቲ ዕዳኻ ብዝቐልጠፈ ከፊልካ ንምውዳእ፥ ኣብዚሕካ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ። ንዅሉ ነቲ ዕዳኻ ውን ብሓደ ጊዜ ከፊልካ ክትዓጽዎ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣብዚሕካ ምኽፋል ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ምስ CSN ርክብ ግበር።

ናይ ”ምምላስ-ጠለብ” - ዘይግብኣካ ”ልቓሕ-ትምህርቲ” እንተ ደኣ ተቐቢልካ

እንተ ደኣ ካብ ”ሲ.ኤስ.ኤን” (CSN) ዘይግብኣካ ገንዘብ ተቐቢልካ ዄንካ፥ ነቲ ገንዘብ ክትመልሶ ክትግደድ ኢኻ። ሽዑ ድማ፡ ናይ ”ምምላስ-ጠለብ” (återkrav) ኪልኣኸልካ እዩ። ከምኡ ዘጋጥም ድማ፡ ንኣብነት እንተ ደኣ ትምህርትኻ ወይ ንሓደ ዝጀመርካዮ ”ኮርስ”፥ ኣብ መንጎ ኣቛሪጽካዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እንተ ደኣ ናይ ”ምምላስ-ጠለብ” መልእኽቲ በጺሑካ፥ ብቕጽበት ነቲ ገንዘብ ክትመልሶ ይግባእ። ምስቲ ናይ ”ምምላስ-ጠለብ” ውሳኔ፡ ”መኽፈሊ-ወረቐት” (inbetalningskort) ውን ኪልኣኸልካ እዩ።

ወለድ ውን ክትከፍል ከድልየካ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ናይ ምምሕዳር-ክፍሊት ተባሂሉ፥ ኣብ ዓመት 100 ክሮኖር ንነፍሲ-ወከፍ ”ናይ ምምላስ-ጠለብ” ነኽፍል ኢና።

ንምኽፋል ሽግር ምስ ዚህልወካ፥ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ”ሲስ.ኤ.ኤን” (CSN) ቀስ-ብቐስ ናይ ”ኣከፋፍል-መደብ” ንኺግበረልካ፥ ኣብ ስምምዕ ኪብጻሕ ይክኣል’ዩ። እቲ ናይ ቀስ-ብቐስ ”ኣከፋፍላ-መደብ” ንኺግበረልካ ዕድል ምህላዉ ንምዝታይ፥ ናባና ስልኪ ደዊልካ ኣዘራርበና።

ናብ ካልእ ሃገር እንተ ግዒዝካ

ናብ ካልእ ሃገር እንተ ግዒዝካ ውን፥ ብመሰረት እቲ ዝተዳለወልካ ናይ ኣከፋፍላ-መደብ፥ ምኽፋልካ ክትቅጽል ይግብኣካ። ኣብቲ ”Mina sidor” ኣቲኻ ድማ፥ ነቲ ናይ ርክብ ሓበሬታኻ ”Min profil”፡ ንምቕያሩ ኣይትዘንግዕ። ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክትቅመጥ እንተ ዄንካ ግን፥ ”ንቤትስልጣን ኣታዊ-ግብሪ” (Skatteverket) ከም ትሕሮም ግበር።

ቅኑዕ ናይ ርክብ ሓበሬታ ክህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ 

”ኤ-ኣገልግሎት” Min profil:

ኣብ ” Mina sidor” ቅኑዕ ዝዀነ ናይ ግልኻ ሓበሬታ ኪህልወና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ፡ መታን ብስልኪ ወይ ብኤ-ፖስት ጌርና ክንረኽበካ ክንክእል ብማለት’ዩ። ሽዑ ድማ ንሕና፡ ኣብቲ ካባና ሓበሬታ ምርካብ ዘድልየካ ጊዜ፥ ክንራኸበካ ክንክእል ኢና። ኣብቲ ”Mina sidor” እቶ’ሞ፥ ነቲ ኣብኡ ብዛዕባኻ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታኻ ተኸታተሎ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓበሬታኻ፥ ዘይልክዕ ምስ ዚኸውን፡- ኣብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ኢተርነት Flyttar eller byter adress (på svenska) ኣቲኻ ብዝያዳ ኣንብብ።

Updated: 2024-03-22
Did this page help you?